Index   Back Top Print

[ AM  - AR  - BE  - BG  - CS  - DA  - DE  - EN  - ES  - FA  - FI  - FR  - HI  - HR  - HU  - HY  - IT  - JA  - KO  - LT  - LV  - ML  - NO  - PL  - PT  - RO  - RU  - SK  - SL  - SQ  - SV  - SW  - TA  - TI  - UK  - ZH ]

ናብ ንጹሕ ልበ ድንግል ማርያም ዝግበር ጸሎት ወፈያ

 

ኦ ኣደ ኣምላኽን ኣደናን ዝኾንኪ እግዚእትነ ማርያም፡ ኣብዛ ናይ ጸበባ ሰዓት እዚኣ ናባኺ ንጐዪ ኣሎና። ንስኺ ኣደ ኢኺ፡ ተፍቅርናን ትፈልጥናን ኢኺ፣ ኣብ ልብ ሒዝናዮ  ካብ ዘሎና ካባኺ ዝሕባእ ሓንት’ኳ የልቦን። ኦ እመ ምሕረት፡ ወትሩ ናብ መስፍን ሰላም ኢየሱስ ስለ እትመርሕና፡ ብዙሕ ግዜ ሓልዮት ዝመልኦ ርሕራሔኽን ሰላም ዘምጽእ ህላዌኽን ኣስተማቂርናዮ ኢና። 

እንተኾነ ንሕና መንገዲ ሰላም ኣጥፊእናያ ኢና። ኣብ ዝሓለፈ ዘመን ኣብ ውግኣት ዓለም ናይ ዝወደቁ ብሚልዮናት ዝቊጸሩ ዘስቅቅ መሥዋዕቲ ትምህርቲ ረሲዕናዮ። ከም ማሕበር ሃገራት ንዝኣቶናዮ መብጽዓ ሸለል ብማለት ሕልሚ ሰላም ኣህዛብን፡ ተስፋታት መንእሰያትን ጠሊምና። ሕማም ስስዐ ኣጥቂዑና፡ ኣብ ጸቢብ ሃገራዊ ጥቅምታትና ተዓጺና፡ ዘይተገዳስነት ከድርቀና ንኣይ ይጥዓመኒ ዝብል መንፈስ ከኣ ከልምሰና ፈቂድና። ንእግዚአብሔር ካብ ሕይወትና ጐሲና፡ ናይ ብጻይናን ናይታ ሓባራዊት ቤትናን ሓለውቲ ምዃና ረሲዕና፡ ምስ ከንቱነትና ክንነብር፡ ከምኡ እውን ዓመጽ ብምትብባዕ፡ ሕይወታት ክንቀዝፍን ኣጽዋር ውግእ ክንኩምርን መሪጽና። ንቦታ ኣታኽልቲ ምድርና ብውግእ ኣባዲምናዮ፣ ብኃጢኣት ከኣ ነቲ ከም ኣኅዋትን ኣኃትን ንዘፍቅረና ልቢ ሰማያዊ ኣቦና ኣቊሰልና። እንትርፊ ንገዛእ ርእስና ንኩሎምን ንኩሉ ጉዳያትን ሸለል በልና። ሕፍረት ተጐልቢብና ኦ ጐይታ መሓረና ንብል ኣሎና። 

ንስኺ ኦ ቅድስት ኣደ፡ ኣብ ሓሳረ-መከራ ሓጢኣትናን ኣብ ድኻምናን ተኣፋፍነትናን፡ ኣብ ምሥጢረ ክፍኣተ-ግብርን ውግእን እንከሎና፣ እግዚአብሔር ከምዘይሓድገና፡ እኳ ደኣ ንክምሕረናን ዳግም ንከተንሥኣናን፡ ብፍቅሪ ናባና ምጥማቱ  ከምዝቅጽል ተዘኻኽርና። ንዓኺ ዝሃበናን፡  ንቤተክርስትያንን መላእ ውሉድ ሰብን፣ ኣብ ዑቚባ ንጹሕ ልብኺ ዘንበረን፡ ንሱ እዩ።  ኣብቲ ጸጸኒሑ ዝደጋገም ስቓያት ታሪኽና፡ ብመደብ መለኮታዊ ሕያውነት ምሳና ኰንኪ፡ ወትሩ ብለውሃት እትመርሕና ንስኺ ኢኺ። 

ሕጂ ኸኣ፡ ኦ ወትሩ ካብ ምብጻሕናን ንንስሓ ካብ ምዕዳምናን ዘይስልክየኪ ኣደ፡ ንሕና ፍቊራት ደቅኺ ናባኺ ንጐዪ ኣሎና፤ ማዕጾ ንጹሕ ልብኺ ንኩሕኩሕ ኣሎና። ኣብዛ ጸልማት ዝወረራ ሰዓት እዚኣ፡ ንክትረድእናን ክተጸናንዕናን ንዒ። ንነፍስወከፍና፣ ‘ኣነ ኣደኻ/ኺ፣ ኣብዚዶ ኣየሎኹልካን/ክን እየ?’ በልና። ንስኺ ንሕልኽላኻት ልብናን፡ ንቚጻራት ዘመንናን፡ ከመይ ገቢርካ ከምዝፍትሑ ትፈልጢ ኢኺ። እምንቶና ኣባኺ ንገብር ኣሎና። ብፍላይ ኣብ ግዜ ፈተና፡ ንምህለላና ዕሽሽ ከምዘይትብልዮን፡ ንክትረድእና ከም እትመጽን ርግጸኛታት ኢና። 

ኣብ ቃና ዘገሊላ፡ ኢየሱስ ገና ጊዜኡ ከይበጽሐ ክሰርሕ ብምቅልጣፍ፡ ቀዳማይ ተኣምራቱ ኣብ ዓለም ከም ዝረኤ ዝገበርኪ ንስኺ ኢኺ። ነቲ በዓል ኃዘን ከንጸላልዎ ምስ ጀመረ ‘ወይኒ እምበር የብሎምን’ (ዮሓ 2,3) በልክዮ። ኦ ኣደና! ከምቲ ሽዑ፡ ሎሚ'ውን ወይኒ ተስፋና ተወዲኡ፡ ታሕጓስና በኒኑ፡ ሕውነትና ተዘሪጉ ስለዘሎ፣ ንእግዚአብሔር ነታ ናይ ሽዑ ልመናኺ እንደገና ድገምሉ። ሰብኣውነትና ኣጥፊእና፡ ንሰላም ከኣ ኣዕኒና። ዝኾነ ዓይነት ዓመጽን ዕንወትን ክንፍጽም፡ ድሕር ዘይንብል ኰይንና፣ ስለዚ እናታዊ ረድኤትኪ ብህጹጽ የድልየና ኣሎ። 

ኦ እኖና!ሃየ ደጊምስ ነዚ ምህለላና ተቐበልዮ። 

ኦ ኮኸብ ባሕሪ፡ ኣብ ማዕበል ውግእ ክንጥሕል ኣይትሕደግና። 

ኦ ጽላት ሓዲስ ኪዳን፡ ናይ ዕርቂ መደባትን መንገድታትን ኣብ ልባትና ኣስተንፍሲ። 

ኦ ምድረ-ሰማይ፡ ናይ እግዚአብሔር ዕርቀ-ሰላም ናብ ምድሪ ኣውርድልና። 

ንሓዊ ጽልኢ ኣጥፍኢ፣ ንሕነ-ምፍዳይ ኣዝሒልኪ ይቕረ-ሓድሕድ መሃርና። 

ካብ ውግእ ሓራ ኣውጽእና፣ ንዓለም ካብ ሓደጋ ኑክለራዊ-ውግእ ሰውርና። ኦ ንግሥቲ ዘጥቀ ቅዱስ ሮዛርዮም፡ ኣብ ልባትና ኣድላይነት ጸሎትን ፍቅርን ኣነቓቕሒ። 

ኦ ንግሥተ ስድራቤት ውሉድ-ሰብ፡ ንሕዝቢ ዓለምና መንገዲ ኅውነት ሓብሪ። 

ኦ ንግሥተ ሰላም፡ ንዓለምና ሰላም ኣጐናጽፊ። 

ኦ ኣደና፡ ብኽያትኪ ንዝደረቀ ልባትና ዘነቃቅሕ ይኹን። እቲ ምእንታና ዘፍሰስክዮ ንብዓት፡ ነዛ ጽልእና ዘድረቓ ቆላ ንብዓት ከምትዕንብብ ይግበር። ድምጺ ኣጽዋር ውግእ ገና ሱቊ ምባል ኣብዩሉ ኣብ ዘለወሉ ህሞት ጸሎትኪ ንሰላም ከም እንስራዕ ይግበረና። ናይ ወላዲት ኣእዳውኪ ነቶም ካብ ደብዳብ ቦምባታት ዚሃድሙን ብኣኡ ዝሳቀዩን  ይሕቘፋ። ናይ ወላዲት ሕቚፍኺ ነቶም ንብረቶምን ዓዶምን ክሓድጉ ዝተገደዱ የጸናንዕ። ኅዙን ልብኺ ንልባትና ናብ ርኅራኄ ኣንቀሳቂሱ፣ መዓጹ ልብና ከፊትና ነታ ዝቘሰለትን ዝተጓሕፈትን ሰብኣውነት እንከናኸን ይግበረና። 

ኦ ቅድስት ኣደ ኣምላኽ፡ ኣብ ቀራንዮ ኣብ ትሕቲ መስቀል እንከሎኺ፣ ኢየሱስ ነቲ ኣብ ጥቃኺ ዝነበረ ረድኡ ብምርኣይ ‘እነሆ ወድኺ’ (ዮሓ 19,26) በለኪ፤ በዚ ከኣ ንነፍስወከፍና ናባኺ ኣማዕቖበና። ጸኒሑ ከኣ ንረድኡ ብኣኡ ኣቢሉ ከኣ ንነፍስወከፍና ‘እነሃ ኣደኻ’ (ኊ 27) በለና። ሕጂ ከኣ ኦ ኣደና፡ ኣብ ሕይወትናን ኣብ ታሪኽናን ክንቀበለኪ ንደሊ ኣሎና። ኣብዛ ሰዓት እዚኣ፡ ብኩሉ ኩሉ ዝተሓለሎን ዝጨነቆን ውሉድ-ሰብ፡ ኣብ ትሕቲ መስቀል ቀራንዮ ምሳኺ ደው ቢሉ ኣሎ። ዑቕባኺ የድልዮ ኣሎ፤ ብኣኺ ኣቢሉ ናብ ክርስቶስ ክውፈ ይደሊ ኣሎ። ብፍቅሪ ናይ ኣኽብሮት ስራሕ ዘቅርቡልኪ ሕዝቢ ኡክራይናን ሕዝቢ ራሻን፤ ልብኺ ስለኦምን ስለ ኩሎም እቶም ብውግእን፡ ጥሜትን፡ ፍትሒ ምስኣንን፡ ሓሳረ-መከራን ዝዕጸዱን እንክሃርም፡ ናባኺ ይጐዩ ኣለው። 

እነሆ እምበኣር ኦ ኣደ ኣምላኽን ኣደናን፡ ንገዛእ ርእስናን ንቤተክርስትያንን ንመላእ ውሉደ ሰብን፡ ፍልይ ብዝበለ መንገዲ ከኣ ንራሻን ኡክራናን ብወግዒ ናባኺ ነማዕቚብን ነወፍን ኣሎና። ነዚ ኣባኺ ብምትእምማንን ብፍቅርን ንፍጽሞ ዘሎና፡ ናይ ወፈያ ጸሎት ተቀበሊ እሞ፤ ውግእ ደው ከምዝብል ግበሪ፤ ንዓለም ሰላም ኣውርዲ። እቲ ኣብ ግዜ ብሥራት፡ ካብ ልብኺ ዝመንጨወ እሽታ ንመዓጹ ታሪኽ ንመስፍን ሰላም ይኽፈተሉ። በቲ ኣዝዩ ቅዱስ ልብኺ ሰላም ከምዝመጽእ ዳግም ንተኣማመን። ንመጻኢ መላእ ስድራቤት ውሉድ-ሰብ፡ ግድነታትን ትጽቢታትን ሕዝብታት፣ ከምኡ እውን ስቃይን ተስፋን መላእ ዓለም ንዓኺ ነወፍዮ ኣሎና። 

ብኣኺ ኣቢሉ፡ ኣብ መላእ ምድሪ፡ መለኮታዊ ምሕረት ይፍሰስ፤ ጥዑም መቃልሕ ሰላም ንመዋዕልና የማሙቚ። መንፈስ ቅዱስ ኣብ ልዕለኺ ዝወረደ እሺ በሃሊት እመቤት፡ ውህደት እግዚኣብሔር ኣብ መንጎና ከምዝምለስ ግበሪ። ንስኺ ‘ህያው ምንጪ ተስፋ’ ኢኺ እሞ፡ ንድርቀት ልብና ኣርውዪ። ናይ ኢየሱስ ትስብእት ዝኣለምኪ ንስኺ ኢኺ እሞ፡ ናይ ውህደት ኣለምቲ ከም እንኸውን ግበርና። ብጐደናታትና ዝተጐዓዝኪ ኢኺ እሞ፡ ብጐደናታት ሰላም ምርሕና። ኣሜን። 

 



Copyright © Dicastero per la Comunicazione - Libreria Editrice Vaticana